ደቂ ሃገር ምዃንኩም ክተርእዩ ንዝቐረበልኩም ፃውዒት ምላሽ ብመሃብ ናብ ሃገር ዝመፃእኹም እንኳዕ ደሓን መፃእኹም – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ደቂ ሃገር ምዃኖም ንኸርእዩ ዝቐረበሎም ፃውዒት ምላሽ ብመሃብ ናብ ሃገር ንዝመኡ ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣመሓላሊፎምም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሃገር ብሓደ ዓቢዪ ቤተሰብ ክምሰል ይኽእል ኢዩ፡፡ ሓደ ቤተሰብ ጠጠው ዝበለሉ መሰረት ጥንካረ ዝፍለጥ ካብ እዋን ሓጎስ ንላዕሊ እቲ ቤተሰብ ፀገም ኣብ ዘጋጥሞ ኢዩ፡፡ ምብዛሕ ፈተና ንገሊኡ ቤተሰብ እንተቀራርቦ ንገሊኡ ድማ የረሓሕቖ ኢዩ፡፡ ድኹም መሰረት ኣብ ዘለዎ ቤተሰብ ሓደጋ እንትፍጠር ኣብ ሞንጎ እቶም ኣባላት ቤተሰብ ኣፈላላያት ጎሊሆም ይረአዩ፤ ቅርታታት ካብ ዝተሓብኡሉ ይወፅኡ፤ ምዝብባት ይበዝሑ፤ ፈተነኦም ተሓጋጊዞም ፈተነኦም ብሓባር ኣብ ክንዲ ምሕላፍ “እንታይ ኣእተወኒ” ክብሉ ይድመፁ፡፡ መወዳአታ ናይቲ ቤተሰብ ድማ ምፍራስ ይኸውን።ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ጥንኩር መሰረት ደው ዝበለ ቤተሰብ ፈተና እንትመፅእ ሓድነቱ የጠናኽ እምበር ኣይፈላልዮን፡፡ ኣፈላላያት የሃልዉ እምበር ንግዚኡ ንደሓር ብምባል ሙሉእ ኣባላረት ቤተሰብ ትኹቶም እቲ ፈተና ናብ ዝሕለፈሉ መገዲ ኢዩ ዘትኩር፡፡ ኩሉ ከከም ዓቕሙ ዝኸኣሎ ይቃለስ፡፡ ምውዳቕ ምትሳእ ማዕረ ተኻፊሉ ኣብ መወዳእታ እቲ ፀገም እንትሕለፍ ማዕረ ሕጉስ ይኸውን፡፡

እዚ እዋን ኢትዮጵያ ከምሃገር ኣዚያ ዝተፈተነትሉ እዋን ኢዩ፡፡ ፈተንታ ተሓባቢሮም ዕረፍቲ ክኸልኡዋ ዘይፈንቀሉዎ እምኒ፣ ዘይደብረዩዎ ፀፀር የለን፡፡ ኢትዮጵያ ግን ብሕብረት ደቃ ሕዚ እውን ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ክኢላ ኣላ፡፡ ምብዛሕ ፈተና ሓድነት ደቃ ኣጎልቢቱዎ እምበር ኣይሸርሸሮን፡፡ ዓቕሚታታ ኣተሓባቢራ ክትጥቀም ምኅንያ ኮና እምበር ኣየሰዓራን።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራታት ሃገርና ሰብ ኣብ ዝደለየትሉ እዋን ንሃገሮም ናይ ቁርፂ እዋን ደቃ ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም ኢልና ብድፍረት ምዝራብ ንኽእል ኢና፡፡ ገለገሊኦም ኢትዮጵያ ንምድፋር ኣብ ዝተለዓሉ እዋን፣ ካልኦት ሓቂ ኢትዮጵያ ብሓሶት ንምሽፋን ኣብ ዝተለዓሉሉ እዋን፣ ዝተረፉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግቡእ ዘይኮነ ፅንቶ ንምሕዳር ኣብ ዝተለዓሉሉ እዋን፣ ዳያስፖራ ወገንና ንኢትዮጵያ ክብሉ ብሓድነት ጠጠው ኢሎም ኢዮም፣ ፖለቲከኛታት በሪታት ኣንኳሕኺሖም ኢዮም፣ ኣደባባያት ብሰልፊ ኣዕለቕሊቖም ኢዮም፣ ንዓበይቲ ትካላት ሞጊቶም ኢዮም፣ ዝተሰሓሓተ ፖሊሲ መራሕቲ ተጋፊዖም ኢዮም፣ ሚዲያታት ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ንኸንፀባርቑ ፅዕንቶ ፈጢሮም ኢዮም።

ዳያስፖራ ወገናትና ንኢትዮጵያ ብቑዓት ዲፕሎማሰኛታት ኮይኖም ሃገሮም ኣኽሮም ኢዮም፡፡ ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ጠበቓ ካብ ምዃን ሓሊፎም ገንዘቦም ብምልኣኽ ስራሕቲ እቲ ግድብ ንኽቀላጠፍ ኣኽኢሎም ኢዮም፡፡ ንዝተጎድኡ ወገናት በቢእዋኑ ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም ኢዮም፡፡ ሽርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዘይተገበአ ፅንቶ ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ካብ ዝበልዑዎ ነኪዮም ንሃገሮም ለጊሶም ኢዮም፡፡ ህልውና ሃገሮም ፈተና እንተጋጥሞ ብዝኸኣሉዎ ኩሉ መሪሕ ኮይኖም ተሰሊፎም ኢዮም፡፡ ኣብ ማሕራዊ ሚዲያ ዝገጥመና ፈተና ንምምካት ግዜኦምን ፍልጠቶምን ሰዊኦም ኢዮም።

ዙሓት ሃገራት ዓለም ምስ ዳያስፖራ ወገናቶም ዝፈጠሩዎ ጥንኩር ምትእስሳር ሃገሮም ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲን ማሕበራዊ ዘፈርን ንምዕባይ ጠቒሙዎም ኢዩ፡፡ ደቡብ ኮሪያ፣ ሕንዲ፣ ቻይናን ሜክሲኮን ድማ ነዚ ፅቕ ኣብነታት ኢየን፡፡ እዘን ሃገራት ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ንምርካብ፣ ዓቕሚ ሸርፊ ወፃኢ ሃገሮም ንምድንፋዕ፣ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ፅንቶ ፖሊሲ ንምሕዳር፤ ስግግር ቴክኖሎጂ ንምምፃእ፤ ጉዳይ ሃገሮም ኣብ ዝንበሩሉ ሃገር ኣካል ፖሊሲ ፃኢ ክኸውን ንምኽኣል፤ ቁሳዊን ሰብኣዊን ሓገዝ ንምትእኽኻብ፤ ስርዓት ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን ንመዝማን ተጠቒሞምሉ ኢዮም።

ልዕል ክብል ሽመን ዝፀራሕናየን ሃገራት ዓቕሚ ዳያስፖራአን ብዝሐሸ ኩነታት ንምጥቃም ዘኽኣለ ዘላቕነት ዘለዎ፤ ዝተወደበን ዝተናበበን ኣሰራርሓ ስለዝኽተላ እዩ። ዳያስፖራታተን ምስ ሃገረን ዘለዎ ርክብ ዘላቒ እዩ። ዝዀኑ እዋናት መሰረት ዝገበረ ኣይኰነን። ኣብ እዋን ሓጎስ ኰነ ፈተና ሃገሮም ብኩለመዳያዊ መልክዑ ይሕግዙ እዮም።

ኣብ ፖሊሲታት፣ ሕግታትን ከይዲ ኣሰራርሓታትን ይሳተፉ እዮም። ገንዘቦም እውን ኣብ ባንክታት ሃገሮም ንክቕመጥ ይገብሩ እዮም፤ ኣብ ኢንቨስመንት ይሳተፉእዮም፤ ኣብ እዋን ፀገም ንወገናቶም ድጋፍ ዝገብሩ ዓበይቲ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ብምጥያሽ ብሽም ርዳእታ ካብ ዝመፅእ ኢድ ኣእታውነት ሃገሮም ናፃ ይገብሩ እዮም፤ ንሓረስቶትን ኣናእሽተይ ነጋዶን ፍልጠት፤ ድጋፍ ገንዘብን ቴክኖሎጂን ዝህቡ መሳለጥቲ ልምዓት ትካላት ይውድቡ፤ ብፍላይ ድማ ንዝማን ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን ዘኽእሉ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብምፍፃም ኩነታት ናብራ ህዝቦም ንምምሕያሽ ይተግሁ እዮም። እዚ ኹሉ ግን ንፈተውቶምን ኣዝማዶምን ካብ ዝገብርዎ ድጋፍ ብተወሳኺ እዩ።

ነዞም ተግባራት ንምፍፃም ዓቕሚ ምኽንያት ብምግባር፣ ዘላቒ ብዝዀነ መልክዑ ስራሕቲ ምስራሕን ብትልሚ ምምራሕን የድሊ እዩ። ዓቕምና በብከባቢኡን በብኩነታ እንተተበታቲኖም፣ መሰረታዊ ለውጢ ምምፃእ ኣይከኣልን።

ኣብ እንነብረሉ ሃገር ፅዕንቶ ንምፍጣር ዘለና ዓቕሚ ዝተዳኸመ እዩ ዝኸውን። ባዕልንባዕልና ተሓጋጊዝና ብቕልጡፍ ካብ ምኻድ ባዕልንባዕልና ኣብ ምውቕቓስ ጊዜና ብኸንቱ ይጠፍእ እዩ።

ዳያስፖራ ወገናትና ነዚኦም ኩሎም ከምዝሓስቡሎም ተስፋ ይገብር።

ኣብ ሃገሮም ካብ ዝነብሩ ካልኦት ጠንካራ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ልምዲ ምውሳድ ከምዝኽእሉ ይእመን። ንሃገሮም መጠን ዘይብሉ ፍቕሪ፤ ሃሮምን ወገናቶምን ብዝኽእሉዎ ኩሉ ናይ ምድጋፍ ዘየቋርፅ ድሌት ኣለዎም።

ነዚ ድማ በብኣደባባዩ ኣመስኪሮም እዮም። ህይወቶም መስዋእቲ ንምግባር ክሳብ ምስላፍ በፂሖም እዮም። ሃሮም “ናብ ሃርኩም ሓደ ሚሊየን ኴይንኩም ንዑ!” እንትትብሎም ድማ ከየናሕሰዩ መፂኦም እዮም።

ሐዚ እውን ብድጋሚ ፃውዒትና ኣኽቢርኩም ስለዝመጻኹም ብሽመይን ብሽም ኢትዮጵያን የመስግነኩም። ዝመፃኹም ድማ ናብ ገዛኹም እዩ። ኣዴኹም ኣብ ውሽጠኣ ዘሎ ኩሉ ክተቕርበልም ኢያ። ምናልባሽ እተቕርበልኩም ነገር ዝተማልአ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን ናይ ኣዶ ቤት ልዕሊ ኹሉ እዩ። ኣብ በብኣብያተ ዕዮኡ፣ በቢ ትካላት ንግዱ፣ በቢ መውሃቢ ኣገልግሎት፣ ዝለመድኩምዎ ዓይነት ቅልጡፍን ዘመናውን ኣሰራርሓ እንተዘይረኺብኩም ኣይትደነቑ። ናይ ኣዴኹም ገዛ እዩሞ ከመይ ነዘምኖ ኢልኩም ሕሰብሉ እምበር ከም ባዕዲ ርኢኹም ኣይትሕለፉ። ሰብ ንናይ ኣዴኡ ገዛ ይሕለቕ እምበር ኣየማርርን።

ዝተጎድኡ ከባብታት ንክትጉብንዩ፤ ወገናትኩም ንክትሃንፁን ንክትድፉን ሓደራ ይብል። ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዘብፅሖ ልክዕ-ኣልቦ ግፍዕን መከራን ብዓይንኹም ርኢኹም ዓይነይ ግምባር ይግበሮ ንዝበለ ዓለም ንክትገልፁ ከተሓሳስበኩም ይፎቱ።

ገለ ትካላት ኣብ ዘሰናድእዎም መርሃ-ግብርታት እውን ተሳተፉ። መባፅሓት ቱሪዝም እውን ጎብንዩ። ናይ ልምዓት ስራሕትና እውን ተዓዘቡ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ምስ ወለድኹም፣ ምስ ኣዝማድኩምን ፈተውትኹምን ሰናይ ጊዜ ኣሕልፉ።

ሓዘንን ሓጎስን ማዕረ ምክፋልና ቤተሰባዊ መሰረትና የጠናኽሮ እዩ።

ሰናይ ናይ ፃንሒት ጊዜ ይኹነልኩም

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ንዘልኣለም ተሓፊራን ተኸቢራን ትንበር!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

18 ታሕሳስ፣ 2014 ዓ.ም

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment