ደረቕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 6 አዋርሕ ልዕሊ ብር 39 ሚልዮን ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደረቕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ካብ ኣምፃእትን ለኣኽትን ብዝሃቦ ግልጋሎት ኣብ ዝሓለፉ 6 አዋርሕ ልዕሊ 39 ሚልዮን ብር ኣታዊ ረኺቡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ደረቕ ወደብ ኣይተ ተኽለሃይማኖት ኣርኣያ ከምዝበልዎ፥ እቲ ደረቕ ወደብ ንለኣኽቲ ኮንቴነር ዘካርይ እንትኾን ካብ ወደብ ጅቡቲ እውን ኣቁሑ ሰብሃፍቲ ኣምፂኡ የረክብ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣብዘሓ ኣብ ማኒፋክቸሪንግ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 973 በቲ ደረቕ ወደብ ከምዝጥቀሙ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተውሃበ ግልጋሎት ልዕሊ 29 ሚልዮን ንምርካብ ተተሊሙ ኣብ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 39 ሚልዮን ብር ተረኺቡ ኢሎም።

እቲ ውፅኢት ኣምፃእቲ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ቁፅሮም እናወሰከ ይኸይድ ምህላዉ ከምዘርኢ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ኣታዊ እቲ ደረቕ ወደብ ልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ተኽለሃይማኖት፥ ሎሚ ዓመት ካብቲ ዝነበረ ክዛይድ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣሰራርሓ እቲ ትካል ድማ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ንምምሕያሽን ንምዝማንን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment