ደለይቲ ስራሕን ኩነታት ስራሕን ተሓሳቢ ዝገበረ ዘመናዊ ስርዓት ምዝገባ ክዝርጋሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደለይቲ ስራሕን ኩነታት ስራሕን ተሓሳቢ ዝገበረ ዘመናዊ ስርዓት ምዝገባ ክዝርጋሕ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

ቢሮታት ክልል እውን ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ንክሰርሑ ተሓቲቱ።

ንክልተ መዓልታት ክሳለጥ ዝፀንሐ ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር ተዛዚሙ።

ሚኒስትር ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ከምዝበልኡ፥ እቲ ሚኒስቴር ምውፋር ስራሕን ሓበሬታ ዕዳጋን ዘመናዊ ንምግባር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ምኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ከቲሙ ኣሎ።

እቲ ስራሕ ንምሕጋዝ ቢሮታት ክልል ሓበሬታ ደለይቲ ስራሕ ብኣግባቡ ክሕዙ ይግባእ ኢለን።

ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ፍቓድ ስራሕ ካብ ምሃብ ወፃእ ብዝተፈቐደሎም ኣገባብ ይሰርሑ ምህላዎም ንምፅራይ ይስራሕ ምህላዉ እውን ተዛሪበን።

ኣወዳድባ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ኩሎም ክልላት ማዕረ ንክኸውን ክልላት ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment