ይርጋለም ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ልዕሊ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር እቶት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ይርጋለም ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ልዕሊ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር እቶት ከምዝረኸበ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክ ኢንዱስትሪ ክልል ሲዳማ ኣፍሊጡ።

እቲ ፓርክ 11 ሺዳት ሒዙ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣበዚ ሐዚ እዋን ሓሙሽተ ኩባኒያታት ኣብ ፍሪያታት ኣቮካዶ ዘይቲ፣ መዓር፣ ፀባን ቡናን ተዋፊሮም  ንሰደድ ወፃኢ ብምቕራብ እቶት ኣብ ምርካብ ኢዮም ተባሂሉ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክ ኢንዱስትሪ ክልል ሲዳማ ኣይተ መምሩ ሞኬ፥ እቲ ፓርክ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቲ ኣትሒዙ ልዕሊ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር እቶት ምርካቡ ገሊፆም።

እቶም ኢንዳስትሪታት ካብ ሓረስቶትን ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ብቀጥታ ብምትእስሳር ናይ ጥረ ኣቑሑ ዕዳጋን ሰንሰለት ዕዳጋ ፍሪያትን ምፍጣር ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

በዚ ድማ ልዕሊ 135 ሺሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment