ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዪንሴፍ 16 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ።
እቶም ሓገዛት፥ ተወካሊት ዪንሴፍ ጨንፈር ትግራይ ኤልዛቤት ኦሜኬ ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣረኪበንኦም።
ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ሓገዝ ናብ 32 ጥዕና ትካላት ክከፋፈል ኢዩ ኢሎም።
ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ምቕናስ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ድማ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ዝዓነዉ ናውቲታት ሕክምና ትካላት ጥዕና ንምትካእ ከምዝሕግዝ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።