ዩ ኤስ ኣይ ዲ ንክልል ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ዝውዕል ተወሳኺ 152 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩ ኤስ ኣይ ዲ) ንክልል ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ዝውዕል ተወሳኺ 152 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ንትግራይ ንዝገበሮ ደገፍ ናብ 305 ሚሊየን ዶላር ክብ ዘብሎ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ንምቕራብ፣ ንህፁፅ ሕክምናን ደገፍ ጥዕናን ከምኡውን ንህንፀት መፅለሊ ከምዝውዕል ተገሊፁ።

እቲ ትካል ዝገበሮ ደገፍ ንደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ደገፍ ስነ ልቦና ንምግባርን ምስ ቤተሰቦም ነዝተፈላለዩ ህፃናት ንምርኻብን ሓዊሱ ተቓላዕቲ ነዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ከለላ ንምሃብ ከመዝውዕል ተሓቢሩ።

ደገፍ መድሕን ህይወት ንዘድልዮም 3 ሚሊየን ዜጋታት ደገፍ ከምዝገብር ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ኣብ እዋን ሓደጋ ደገፍ ዝህብ ጉጅለ ናብ ትግራይ ቅድመ ሐዚ መውፋሩ ኣዘኻኺሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment