ዩጋንዳ ፍቓድ ልዕሊ 50 ሲቪክ ማሕበራት ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩጋንዳ ፍቓድ ልዕሊ 50 መንግስታዊ ዘይኮኑ ሲቪክ ማሕበራት ከምዝኣገደት ተገሊፁ።

እቶም ሲቪክ ማሕበራት መንግስቲ ዘውፀኦም ደምቢታትን ኣሰራርሓታትን ስለዝጠሓሱ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ትካላት እዋን ዝኣተዉዎ ውዕሊ ካብ ምዝዛሙ ብተወሳኺ ኣድላዪ ከይዲ ምዝገባ ሓሊዮም ፍቓድ ስራሕ ካብ ዝህብ ኣካል ፍቓድ ዘይምርካቦም ተመልኪቱ፡፡

ፍቓድ ካብ ሞንጎ ዝተኣገደሎም ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ዝሰርሑ ኤጀንሲታት ከምዝርከቡዎም ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ፅሕፈት መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ እገዳ ስዒቡ ድማ ብ100 ሺሕ ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት እቶም ትካላት ንፀገም ተቓላዕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ናይ መንግስቲ ውሳነ ኣብታ ሃገር ዝስተውዓሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተበኣኢሶም ክቕፅሉ ዝገብር ኢዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ምባሉ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment