ዩዜን ቦልት ናይ ቢቢሲ ስፖርት ሽልማት ህይወት ዘመን ዕዉታት ሰባት ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃማይካዊ ኣትሌት ዩዜን ቦልት ናይ ቢቢሲ ስፖርት ሽልማት ህይወት ዘመን ዕዉታት ሰባት ተዓዊቱ፡፡

ቦልት ድሕሪ እቲ ሽልማት ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ÷ “ጠንኪርካ እንተሰሪሕኻ ትደልዮ ነገር ከምትረክብ ኣነ ህልው ምስክር ኢየ” ክብል ተዛሪቡ።

ሓደ ነገር ንምዕዋት ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ካብ ኣቡኡ ከምዝተምሃረ ዝገለፀ ዩዜን ቦልት÷ ስድርኡ ንምምሕዳር ዝገብሮ ፃዕሪ ንዕትነቱ ኣብነት ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ተዓዋቲ 8 ሜዳሊያ ወርቂ ኦሎምፒክ ዩዜን ቦልት÷ ኣብ ቤጂንግ 2008፣ ኣብ ለንደን 2012ን ሪዮ ኦሎምፒክ 2016 ሻምፒዮን ክኸውን ክኢሉ፡፡

ወዲ 36 ዓመት ቦልት ኣብ 2009 ሻምፒዮና ዓለም በርሊን ርሕቐት 100 ሜትሮ ብ8 ነጥቢ 58 ሰከንድ ብምእታው በዓል ዋና ክብረ ወሰን ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment