ዩክሬን ካብ ኣውሮፓ ተወሳኺ ሓገዝ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፑቲን ንሩሲያን ምንካእ ከምዘይከኣል እናጠንቀቑ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን  ዩክሬን ካብ ኣውሮፓ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዝረኸበት ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ፖርቹጋል ንምዝዛም ናብ ፖርቹጋል ኣቲዮም።

በዚ ድማ ምስ ፖርቹጋል ኣብ ጉዳያት ፀፅታ ብሓባር ንምስራሕ ናይ 10 ዓመት ስምምዕነት ክልተኣዊ ምትሕብባር ተፈራሪሞም።

ኣብ ሞንጎ ፖርቱጋልን ዩክሬንን ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕነት÷ ፖርቹጋል ኣብዚ ዓመት ንዳግመ ህንፀት ዩክሬን ዝውዕል 126 ሚሊየን ዩሮ ክትህብ ኢያ።

ፖርቹጋል ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ፖርቹጋል ሉዊስ ሞንቴኔግሮ ተዛሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ፔትር ፊያላ ብግደኦም፤ ንዩክሬን ተተኳሲ ንምግዛእ 15 ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ኔቶን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዩሮ ኣበርኪቶም ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment