ዩክሬን ካብ ምዕራባውያን ዝረኸበታ ኤፍ-16 ተዋጋኢት ጄት ንመጥቃዕቲ ሩሲያ ምላሽ እናሃት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከምዝተሓምሸሸት ኣሚና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ካብ ምዕራባውያን ዝረኸበተን ኤፍ-16 ተዋጋእቲ ጄታት ሓንቲ ንመጥቃዕቲ ሩሲያ ምላሽ እናሃት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከምዝተሓምሸሸት ኣፍሊጣ።

ዩክሬን ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳሞት ስራሕ ኣሜሪካ ኤፍ-16 ተዋጋእቲ ጄታት ካብ ምዕራባውያን ብሓገዝ ምርካባ ይዝከር፡፡

ሚሳኤል፣ ቦምባን ሮኬታትን ናይ ምሽካም ዓቕሚ ኣለወን ዝተብሃላ እተን ተዋጋእቲ ጄታት÷ ዩክሬን ኣንፃር ሩሲያ ንእትገብሮ ኲናት ዓብዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘሌንስኪ ኣብ ተዛሪቦም ነይሮም፡፡

ይኹን እምበር ዩክሬን ካብ ሞንጎ ዝተረከበተን ተዋጋእቲ ጄታት ሓንቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙናት መጥቃዕቲ ሚሳኤላት ሩሲያ ምላሽ ኣብ ምሃብ እናሃለወት ከምዝተሓምሸሸት ተገሊፁ፡፡

ኣብራሪ እታ ኤፍ-16 ተዋጋኢት ጄት ኦሌክሲ ሜስ÷ ነቲ መጥቃቕቲ ዓፀፋዊ ምላሽ ኣብ ምሃብ እናሃለወ ከምዝተሰወአ እውን ሚኒስቴር ምክልኻል ዩክሬን ኣፍሊጡ፡፡

Comments (0)
Add Comment