ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ኩርስክ ከምዝተዓወተት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወተሃደራት ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ኩርስክ ዝረኸብዎ ዓወት የጠናኽሩ ከምዘለዉ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊት እታ ሃገር ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ብግድኡ፥ ኪየቭ ካብ 6 ነሓሰ 2024 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ 1 ሺሕን 150 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ስፍራ 82 መንደራት ምቁፅፃራ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዩክሬን ካብ ዝተቖፃፀረቶ ቦታ ዝበለፀ ከምዝኾነ ማላ ሜይል ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዩክሬን ዓቕማ እናጠናኸረትን ነቲ ከባቢ እናተቖፃፀረተን ከምእትርከብ ገሊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment