ዩክሬን ናብ ዶብ ሩሲያ ዝገበረቶ ገስጋስ ዋሺንግተን ትፅቢት ዘይገበረትሉ ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ናብ ዶብ ሩሲያ ዝገበረቶ ገስጋስን ኣብቲ ከባቢ ዝፈጠረቶ ፅዕንቶን ብዋሺንግተን ትፅቢት ዘይገበረትሉ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ዩክሬን ዶብ ሩሲያ ብምስጋር ሓያሎ ኪሎ ሜትራት ናብ ውሽጢ ምእታዋ ተገሊፁ።

እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምንቅስቓስ ከመይ ከምዝለዋወጦን ዩክሬን ብኣሜሪካ ዝቐረቡላ ኣፅዋራት ኲናት ከመይ ትጥቀመሎም ከምዘላን ብዝምልከት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ይግምግሙ ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንሩሲያ ይኹን  ምዕራባዊያን መራሕቲ ዘገረመ እንትኸውን፥ ዩክሬን ንምሕላው ንዝተሰለፈ ምዕራባዊያን ዘዋፈርኡ ምክልኻል ልዑል ዓወት ከምዝኾነሉ ተገሊፁ።

ወታሃደራዊ ተንተንቲ ከምዝብልዎ፥ ዩክሬን ኣብ ገዝኣት ኩርስክ ዘብፀሐቶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ብናይ ወፃኢ ዓዲ ወተሃደራት ዘጋጠመ ልዑል መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment