ዩክሬን ምስ ሩሲያን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት 31 ሺሕ ወተሃደራት ከምዝሞትዋ ንፈለማ እዋን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚይር ዘለንስኪ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ብሓፈሻ 31 ሺሕ ወተሃደራት ከምዝሞትዎም ንፈለማ እዋን ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ቁፅሪ ኣብቲ ኲናት ዝቖሰሉ ወተሃደራት ንምግላፅ ድልየት ከምዘይብሎም ሓቢሮም።

ሚኒስትር ምክልኻል ሰራዊት ዩክሬን “ምዕራባውያን ንሃገርና ዝህብዎ ሓገዝ ብምዝንግዑ ህይወትን ግዝኣትን የኽፍሉና ኣለዉ” ድሕሪ ምባሎም ኢዩ ዩክሬን ቁፅሪ መወትቲ ኣፍሊጣ።

ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ትማሊ ከምዝበልዎ፥ ቁፅሪ መወትቲ ሩሲያ ከምእትብሎ እኳ እንተዘይኮነ ይኹን እንበር ሕድሕድ ዝሰኣነናዮም ሰባት ንዓና ገዚፍ ኪሳራ ኢዩ ኢሎም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሓፈሻ ሃገሮም ብዛዕባ ዝሰኣነቶም ወተሃደራት ኣብ ዝገለፅሉ እዋን፥ ሩሲያ ኣብ ዝሓዘቶም ግዝኣታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ንፁሃን ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም ክብሉ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር “ክንደይ ከምዝሞቱ፣ ከምዝተቐተሉ፣ ከምዝተሰደዱ ኣይፈልጥን” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment