ዩኤስኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ደገፍ 80 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩኤስኤይድ) ኣብ ኢትዮጵያ ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ደገፍ 80 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ።

ምክልት ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝገበርኡ ዑደት ህፁፅ ሓገዝ ንዘድሊዮም ሰባት ተበፃሒ ንምግባር ፃዕርታት ይግበሩ ከምዘለዎ ምዕዛበን ተዛሪበን።

ኣብተን ክልላት ደገፍ ዝደሊዩ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ምርግጋፀን እውን ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ዩኤስኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ተወሳኺ ደገፍ 80 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ምግባሩ ሓቢረን።

እቲ ገንዘብ፥ ሕፅረት ምግቢ ንዘጋጠሞም ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃውንቲን 600 ሺሕ ንዝኾና ነብሰፁራትን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ከምዝውዕል ገሊፀን።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment