ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ዩንቨርስታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠነኦም ተምሃሮ የመርቓ ኣለዋ።
ብመሰረት እዚ ዩንቨርስቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 124 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ዩኒቨርሲቲ ዲላ እውን ልዕሊ 1 ሺሕን 829 ተምሃሮኡ ከምዘመረቐ ተገሊፁ።
ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ብግደኡ፥ ብስሩዕን ካልኦት ሜላታትን ብቐዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃርኡ ኣመሪቑ።
ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም 4 ሺሕን 36 ተምሃሮ፣ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ 1 ሺሕን 347፣ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ 715 ተምሃሮ፣ ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ብስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ ግብሪታት ብቐዳማይ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ከምኡውን ዩንቨርስቲ ጅግጅጋ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ከምኡውን ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 750 ተምሃሮ ኣመሪቁ።
ብህይወት ኣበበ፣ ጋለነ ተሰፈን ወርቅኣፈራው ያለው፣ የሻምበል ምሕረት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብቶም ዩንቨርስቲታት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።