ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ኣቋሪፀን ዝነበራ ዩንቨርስታት መቐለን ራያን ናብ ስሩዕ ስረሐን ይምለሳ ከምዘለዋ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ዩንቨርስቲ መቐለ 2 ሺሕ፣ ዩንቨርስቲ ራያ ድማ 760 ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝነበሩ ተምሃሮ ብምቕባል የምህራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚክ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብዱልቃድር ከድር (ዶ/ር)ን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚክ ዩንቨርስቲ ራያ ነጋ ዓፈራ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እተን ትካላት ንምምሃር ምስትምሃር ድልዋት ብምግባር ትምህርተን ጀሚረን ኣለዋ ኢሎም።
ዋና ኣፈፃሚ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን ሚኒስቴር ትምህርቲ ሰለሞን ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ምዕሳሉ ስዒቡ እተን ዩንቨርስታት ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጀመራ ተዛሪቦም።
መምሃሪ ክፍሊታት፣ መሕደሪ ተምሃሮ፣ ኣብያተ መፃሕፍቲን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ደልዋት ክኾኑ ብምግባር እቲ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
ተምሃሮ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ናብ ሰላም ምምላሱን ትምህርቲ ምጅማሮምን ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም።
በሲሳይ ዱላ