ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ተምሃርኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ ዓዲግራት፣ ጅማ፣ ቀብሪ ደሀር ፣ ወለጋ ፣ ኣርሲን ኮተቤ ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ከሰልጥነኦም ዝፀንሓ ተምሃሮአን ኣመሪቐን።

ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ከሰልጥነኦም ዝፀንሐ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ተምሃርኡ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ  ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዶክተር ሳሙኤል ሁርካቶ፣ ዋና አስፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ዩንቨርስቲ ጅማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወ/ሮ መአዛ አሸናፊን ኣብ ዝተረኸብሉ 4 ሺህን 311 ተምሃሮ ተመሪቖም።

ዩኒቨርሲቲ ቀብሪ ደሓር ድማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ኣብ ዝተረኸብሉ 612 ተምሃሮኡ ኣመሪቑ።

ዩንቨርስቲ ወለጋ 3 ሺሕን 398 ተምሃሮ፣ ዩኒቨርሲቲ አርሲ ብሕክምና ስፔሻሊት ትምህርቲ ክከታተሉ ዝፀንሑ 23 ተምሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

ኮተቤ ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ብግደኡ፥ 2 ሺሕን 39 ተምሃሮ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣመሪቑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment