ዩንቨርስቲ ኣኽሱም 20ን 21ን ጥሪን ንተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ካምፓስ ኩይሐ ብምቕባል ከምዘምህር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ ኣኽሱም 20ን 21ን ጥሪን ንተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ካምፓስ ኩይሐ ብምቅባል ከምዘምህር ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ፕሮፌሰር ገብረእየሱስ ብርሃነ፥  ኣብ ትግራይ ይውሰድ ብዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይደ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ክቕፅእ ኢዩ ኢሎም።

ተምሃሮ ይኹኑ ወለዲ ተምሃሮ ስግኣት እንተይተሰመዖም ኣብቲ ዝተገለፀ እዋን እቶም ተምሃሮ ክርከቡ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ካልኦት መረቕቲ ዘይኮኑ ተምሃሮ ፃውዒት ብምግባር ከየዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment