ዩንቨርስቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም ሞያተኛታት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩንቨርስቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣብረርቲ ኣውሮፕላን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም 450 ሞያተኛታት ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ተወካሊ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሓላፊ ዓውዲ ፋይናንስን ኣዳሙ ታደለ፣ ተተካኢ ፕሬዚዳንት እቲ ኣቬሽን ካሴ ይማም፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ነቲ ስልጠና ተኸታቲሎም ዝዛዘሙ ሞያተኛታት 450 አንትኾኑ፥ 115 ኣብረርቲ ኣውሮፕላን፣ 123 ኣተኣናገድቲ በረራ፣ 84 ሞያተኛታት ዓውዲ ፅገናን 128 ሞያተኛታት ዓውዲ ኮሜርሻልን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም ሰልጠንቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ካልኦት ኣህጉራተን ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment