ዩንቨርስቲታት ካብ መፋርቕ መስከረም ጀሚረን ትምህርቲ ንክጅምራ ይስራሕ ኣሎ- ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲታት ካብ መፋርቕ መስከረም ጀሚረን ትምህርቲ ንክጅምራ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ትምህርቲ  ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልታት እዚ ባጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣፈፃፅማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብስፍሓት ዘተ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ሓቢሮም።

ኣብ 2016 ዓ.ም ካብ ማሕበረሰብ ብዝተረኸበ ደገፍ ብትምህርቲ ንመርሃ ግብሪ ትውልዲ 22 ሺሕ ዝኣኽሉ ህንፀትን መፅናዕቲን ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ ምክያዶም ኣፍሊጦም።

ብፍላይ ንተምሃሮ ዝወሃብ ፈተና ሪሚዲያል ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ናይ ዩንቨርስቲ ተምሃሮ መውፅኢ ፈተና ምሃብ ከምዝጅምር ተዛሪቦም።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ምሃብ ከምዝጅምር እውን ሓቢሮም።

እቲ ፈተና ብወረቐትን ኦን ላይንን ዝወሃብ ስለዝኾነ ነዚ ዝሕግዝ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment