ዩኔስኮ ዓለም ለኻዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ፍሉይ መግለፂኡ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኔስኮ ዓለም ለኻዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ፍሉይ መግለፂኡ ምዃኑ ፌዴሪኢ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ነዜ ዝገለፃ፥ ኣብ ምቕራፅን ምስፍሕፋሕን ትምህርቲን ሰናይ ኣስተዋፅኦን ኣድሂቡ ምኽረ ሓሳብ ዘቕርብ ኮሚሽን ዓለም ለኸ ኣብ ፈረንሳይ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ኢዩ።

ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዝምራሕ እቲ ኮሚሽን፥ ፈላማይ ኣኹቡኡ ኣብ ማእኸል ዋና ቤት ፅሕፈት ትካል ባህሊ፣ ሳይንስን ትምህርቲን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ኣካይዱ።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ ስብሰባ ከምዝበለኦ፥ ዩኔስኮ ካብ ኩለን ኩርናዓት ዓለም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትእኽኻብ ዓለም ለኻዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ፍሉይ መግለፂኡ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እቲ ኮሚሽን ትፅቢት ዝግበሩሉ ስራሕቲ ከምዘለዉዎ ዝገለፃ ፕሪዚዳንት ሳህለወርቅ፥ “ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ከጋጥሙና ንዝኽእሉ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ዘለናሉ ዘበን ንላዕሉ ኣማቲርና ክንሓስብ ይግባእ” ኢለን።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ዕላዊ ዝተገበረ ኮሚሽን ከምዝኾነ ካብ ቤትፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment