ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኔስኮ ንኢንዱስትሪ ፊልም ኢትዮጵያ ይሕግዝ ኢዩ ዝተብሃለ ፕሮጀክት ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቱ ኤክስፐርታት እቲ ፕሮጀክት፣ ተወከልቲ ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያን ግብረ ሓይሊ እቲ ፕሮጀክትን ብመርበብ ሓበሬታ ዝተሓገዘ ልዝብ ተኻይዱ፡፡
ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ይሚኮ ዩካዛኪ ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ፕሮጀክት ጋህዲ ምዃኑ ኢንዱስትሪ ፊልም ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዙሕነት ባህሊ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኢዩ፡፡
ኣብ ሚኒሰስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ዳይሬክተር ኢንዱስትሪ ባህሊ ኣይተ ተፈሪ ተኹሉ ብግደኦም፥ ፖሊሲ ፊልም ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ዕላዊ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡
መንግስቲ ነቲ ዘፈር ዝሃቦ ትኹረት ዘርኢ ፖሊሲ ከምዝኾነን እውን ገሊፆም፡፡
እቲ ፖሊሲ፥ ኣብቲ ዘፈር ብዘለዉ ሕጋዊ ማዕቐፋት ንኽድገፍ ተግባራዊ ምግባር ግቡእ ከምዝኾነ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!