ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ክብሪታት መሰቀል ኣብ ምብራኽ ዝሕግዝ ዓለምለኸ ዋዕላ ፅባሕ ከሳልጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ክብሪታት መሰቀል ኣብ ምብራኽ ዝሕግዝ ዓለምለኸ ዋዕላ ካብ ፅባሕ 15 መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከሳልጥ እዩ።

እቲ ኮንፈረንስ፥  “ መፃኢ ንምቕራፅ ሕሉፍ ምዕቃብ ፤ ምህዞ ኣብ ባህላዊ ቅርስታት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ዩንቨርስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንሻብዓይ ግዜ ፅባሕ 15 መሰከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝሳለጥ እቲ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ፥ በዓል መስቀል ብብርኪ ዓለም ዝያዳ ክፍለጥን ክብሪታቱ ክብራኽ ዝሕግዝን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በዓል መስቀል ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ከምዝኽበይ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment