ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር “ንእዋኑ ዝምጥን ሓርበኝነት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።
ኣብ ዋና ቀፅሪ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ÷ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መንግስታዊ ኣመራርሓ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ ዓዲግራት፣ ኣባላት ማኔጅመንት እቲ ዩንቨርስቲ፣ ከምዝተሳተፉሉ ተገሊፁ።
ብመኽፈቲ መደረ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ገብረኪዳን ተስፋይ (ዶ/ር) ዝጀመረ እንትኸውን÷ ክልተ መዛተዪ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ ተገይሩሎም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝቐረቡ ፅሑፋት ዘለዎም ሕቶ፣ተወሳኺ ሓሳብ፣ ከምኡ እውን ትዕዝብቶም ከምዘቕረቡን ካብ ኣመራርሓን ማነጅመንትን እቲ ዩንቨርስቲ ምላሽን መብርሂን ከምዝተውሃበሉ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com