ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ሓደሽቲ ተምሃሮ ምቕባል ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝመፅኡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ምቕባል ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ጉዳይ ምምሕዳርን ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርስቲ መምህር ገብረሚካኤል ታፈረ ከምዝገለፅዎ÷ ብሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዝተመደቡ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ተምሃሮ ካብ 6 ክሳብ 7 ጥሪ 2016 ዓ.ም ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እናኣተዉ ይርከቡ።

እቶም ሓደሽቲ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨስቲ ኣኽሱም እንትኣትው÷ ብነበርቲ ኣኽሱምን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ዝኣተዉ ተምሃሮ ንዝተገበረሎም አቀባብላ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብመናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment