ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ምግቢ፣ ናውቲን ክዳውንቲን ገይሩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓገዝ ዝገበረ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቤጂንግን ብምትሕብባር ኢዩ።
ዳይሬክተር ምምሕዳር ንብረት እቲ ዩኒቨርሲቲን መተሓባበሪ እቲ ሓገዝን ኣይተ መሰለ ዘውዴ፥ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያዊነት ኣብ ውሽጢ ፀገም ዓምቢቡ እንተፍሪ ርኢና ኢና ኢሎም።
ዳይሬክተር ኣገልግሎት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሰለሞን ተስፋዬ ብግደኦም፥ እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲታት ምትሕብባር ናብ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝዓቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕሉ ከም ሩዝ፣ ድንች፣ ሽኮር፣ ዓተር፣ ሽሮን ካሮትን ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ጃኬት፣ ስረ፣ ሸሚዝ፣ ኮቦርታ፣ ጫማ፣ ቱታን ፍራሽን ንሓገዝ ቀሪቦም።
ኣብቲ ሓገዝ ንመገልገሊ ውሽጢ ገዛ ዝውዕሉ ናውቲ ከም ሳፋ፣ ብረት ድስቲን ናይ ማይ ጀሪካንን ተኻቲቶም።
እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲተ ወሎ ዶክተር ኣፀደ ተፈራ፥ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ምስጋና ኣቕሪበን።
ብኣለባቸው ኣባተ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።