ዩኒቨርስቲ ራያ ብኣስታት 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዝዓደጎም ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንሕብረተ ሰብ ሓገዝ ኣበርክቱ

አዲስ አበባ ፣ ሚያዚያ 11 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ራያ ብኣስታት 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝዓደጎም ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንሕብረተ ሰብ ሓገዝ ኣበርክቱ።

እቲ ዩኒቨርስቲ፥ ንመሐለዊ ፅሬት ዝውዕሉ ፈሰስቲ ሳሙና ኢዩ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ትግራይ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ከበርክት ዝኸኣለ።

ዩኒቨርስቲ ራያ ብተወሳኺ ንወረዳታት ጎረባብቲ ክልላት ማለት እውን ካብ ክልል ዓፋር ንወረዳታት መጋለን ያሎን፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ድማ ንወረዳታት ራያ ቆቦን ዋግህምራን ሓገዝ ከምዝለገሰ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ኤመሓት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment