ዩኒቨርስቲ መቐለ ን8 ምሁራን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ንሸሞንተ ምሁራን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ምሃቡ ኣፍሊጡ።

ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ መዓልቲ ንሸሞንተ ምሁራን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ኣፅዲቑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ኣፈወርቅ ሙሉጌታ፣ ዶክተር ኢብራሂም ፍትዊ፣ ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ፣ ዶክተር ምሩፅ ሓጎስ፣ ዶክተር ገብረህይወት ታደሰ፣ ዶክተር መሓመድ ኢስማኤል፣ ዶክተር ኣለማየሁ ባይራይን ዶክተር ሃፍቱ በርሀን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ተዋሂቡዎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment