ዩኒቨርስቲ መቐለ መድረኽ ፎረም ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲታታ የተኣናግድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ዩኒቨርስቲ መቐለ መድረኽ ፎረም ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲታታ ኢትዮጵያ የተኣናግድ ኣሎ

ፕሬዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ፋና ሓጎስ(ዶክተር)፥ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ እዋን ኲናት ገዚፍ ዕንወትን  ብርክት ዝበለ ብድሆታትን ከምዘሕለፈ ተዛሪበን።

ዩንቨርስቲ መቐለ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ መፅንሑ ብምግላፅ፥ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ምስ ናይ ቀደም መሻርኽቱ ዳግማይ ንኽራኸብ ከምዝሕግዞ ኣብሪሀን።

ሰራሕተኛታት ኣካዳሚያውን ደገፍቲን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ከበድቲ ዓመታት ዘሕለፍዎ ከቢድ ኩነታትን ንዝነበሮም ፅንዓትን ተወፋይነትን አመስጊነን።

እቲ ፎሮም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ፅባሕ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

 

Comments (0)
Add Comment