ዩኒቨርሲቲ ጅማ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃዊኾም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 51 ተምሃሮ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጅማ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃዊኾም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 51 ተምሃሮ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ፥ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኽተኣጓጎል ድሌት ዘለዎምን ኣጋጣሚታት ብምጥቃምን ፀገም ዝፈጠሩ ተምሃሮ ብምፍላይ ዝተወሰደ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ 20 ተምሃሮ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ምስጓግ ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝወሰደን ን31 ተምሃሮ ድማ ናይ መወዳእታ መጠንቐቕታ ከምዝተውሃቦምን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ብዝተገበረ ሰፊሕ ገምጋም 28 ኣባላት ሓለዋ ብጡረታ፤ 29 ዝኾኑ ድማ ካብ ሓለዋ ስረሖም ክሰናበቱ ምግባሩ ገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ልኡኽትኡ ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምምሕዳር ዝርከቡ ሓለፍቲ ብሓደሽቲ ሰባት እናተከአ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ምስ ከይዲ ትካላዊ ለውጢ ተተሓሒዙ ኣብ ዙርያ ምምሕዳርን ግልጋሎት ተምሃሮን ዝተዋፈሩ ምክትል ፕዚዳንትን ሰለስተ ዳይሬክተራትን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲ ሓላፍነት ዝተዋፈሩ ሰለስተ ሓለፍቲን ለውጢ ምግባሩ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment