ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብጥዕናን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 476 ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡

ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብመጀመርያ ድግሪ 308 ተምሃሮን ኣብ ድህረ ምረቓ ድማ  168 ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ፡፡

ካብቶም ተመረቕቲ  እቶም  ኣርባዕተ ብዶክትሬት ዲግሪን እቶም ሸሞንተ እውን  ብክሊኒካል ስፔሻሊቲ ዝተመረቑ እዮም ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዶክተር ጀማል አባፊጣ፥ ኣብ ሃገርና ብርክት ብዝበሉ ፀገማት ኣትያ ኣብ ዘለትሉ ኩነታት ዝተመረቑ እቶም ተምሃሮ ንማሕረሰብ ግልጋሎት ንምውሃብ ልዑል ሓላፍነት ከምዝተወሃቦም ሓቢሮም፡፡

ኣብ ሎሚ ዕለት ዝተመረቑ መብዛሕተኦም ምሩቓን ጥዕና ከምዝኾኑ ዝሓዝዎ ፍልጠት ንወገኖም ብዓቕሊ ንምሕጋዝ ንክጥቀምሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment