ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻልን ንተመዛበልቲን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ ወገናትን ሓገዝ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኣገልግሎት ምርምር ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሰለሞን ከምዝገለፁዎ፥ ህወሓት ዝሓለፈ በደሉ ብይቅርታ እንትሕለፍ ዳግም ኣብ ልዕ ንፁሃን ግፍዒ እናፈፀመ ይርከብ ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡፡

ንሰራዊት ምክልኻልን ተመዛበልቲን ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ምግቢ፣ ናውቲ ገዛ፣ መሕለዊ ፅሬትን ክዳውንቲን ይርከቡዎ ሓገዝ ገይሩ፡፡

ብምዃኑ ንተመዛበልቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዩኒቨርሲቲ ወሎ፤ ንሰራዊት ምክልኻል ዝተገበረ ሓገዝ ድማ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ታቦር ተረኪቦምዎ፡፡

ብኣለባቸው ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment