ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ብምኽንያት ወፍሪ ህልውና ተቛሪፁ ዝነበረ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ሎሚ መዓልቲ ተምሃሮ ምቕባል ጀሚሩ።

ልዕሊ 3 ሺሕ ዝኾኑ ነባር ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ንምምላስ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እናኣተዉ እንትኾኑ፥ ነዚ ድማ ተምሃሮ ተቐቢሉ ንምምሃር እኹል ቅድመ ምድላው ከምዘሳልጥ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ደረጀ ኣንዳርጌ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ብምኽንያት ወፍሪ ህልውና ንኣዋርሕ ዝተቛረፀ ትምህርቲ ንምዕዋት ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምዝርራብ ከምዝሰርሑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብሳምራዊት የስጋት

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment