ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1800 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1 ሺሕን 839 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቲ ተመረቕቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ድግሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታዘው ረዳ፣ ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን፣ ወለዲ ተመረቕቲ ተምሃሮን ተረኺቦም።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓቱ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምትሕብባር ምትዕርራይ እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ተምሃሮ ተቐቢሉ ስሩዕ ምምሃርን ምስትምሃርን ምጅማሩ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment