ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ተምሃርኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብካልኣይን ቀዳማይን ዲግሪ ብዝተፈላለዩ ዓውደ ትምህርቲ እናምሃሮም ዝፀንሐ 1467 ብዲግሪ፣ 122 ብድህረ ምረቓ ብድምሩ 1 ሺሕን 589 ተምሃሮ ንመበል ዓስራይ ግዜ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተምሃሮ ተረኺቦም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፉ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዛይድ ነጋሽ (ዶክተር)፥ ከበድቲ ፈተናታት ኣሕሊፍኩም ናብዚ ዕለት ስለ ዝበፃሕኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት እናተምሃሩ ፀኒሖም መመዘኒ ፈተና ወሲዶም ዝሓለፉ 74 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚደንት፥ እዚ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ እቲ ዩኒቨርስቲ ንዝሐሸ መፃኢን ፅሬት ትምህርቲ ዝረጋገፀሉ ትካል ንምግባር ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ኵናት ከቢድ ዕንወት ዘጋጠሞ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ዝሳለጥ ዳግመ ህንፀት እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ብምዃን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታርያት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምርምርን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ኣልጋነሽ ተሰማ(ዶክተር ) ብወገነን፥ ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ብምርካብ ናይ እንኳዕ ደስበለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ዘለናሉ መዋእል ዘበነ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ስለዝኾነ ተረከብቲ ዓዲ ዝኾንኩም ተምሃሮ ድማ ዓለም ብዝጠልቦ ጉዕዞ ክትከዱን ራእይኹም ጋህዲ ክትገብሩን ኣብቲ ዓውዲ ብተበርክትዎ ግደ እዩ ዝረጋገፅ ክብላ ሓቢረን።

ቅድሚ 12 ዓመታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፥ ብዝተፈላለዩ ዓውደ ትምህርቲ ዘምሃሮም ክሳብ ሐዚ 24 ሽሕን 47 ከምዘመረቐ ኣብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment