ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ብሄራዊ ሓበሬታ ብኪነ ሙያ መርበብ ሓበሬታ ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያታት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ብሄራ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ብሄራዊ ሓበሬታ ብኪነ ሙያ መርበብ ሓበሬታ ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያታት ኣመሪቑ።

ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ህንፀት ዓቕሚን ዘፈር ምምሕዳርን እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ነብዩ ዳኘየ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ሃገርን ህዝቢን ብምቕዳም ብዕቱብ ሙያዊ ስነ ምግባር ዝወሃቦም መምርሒ ብብቕዓት ንኽዋፅኡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

እቲ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ 10 ዓመት ቁፅሪ ሰብ ሞያታት መርበብ ሓበሬታ ንምዕባይ፣ ተዋፅኦ ብሄር ን ንምምጥጣንን ንኢትዮጵያ ዝመስል ትካል ምህናፅን ዝሃቀኖ ንምዕዋት ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሙያዊ ትካል ሓበሬታ ንምህናፅ ብዝተገበረ ፃዕሪ ልዑል ለውጢ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ጀነራል፥ ተመረቕቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ትካል ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ንኸበርክቱ ምሕታቶም እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝለኣኾ መግለፂ የመላኽት፡፡

ዳይሬክተር ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ብሄራዊ ሓበሬታ ኣይተ ወንደወሰን ካሳ ብግደኦም፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ሃገር ትርከበሉ ፈታኒ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ንቐፃሊ ወፍሪ ዝሕግዞም ትምህርቲን ስልጠናን ከምዝረኸቡ ገሊፆም፡፡

ዝተወደበ ገበንን ግብረ ራዕዲን ብምክልኻል ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ከምኡ እውን ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘኽእሎም ፍልጠት ከምዝረኸቡን ተግባራዊ ልምምድ ምግባሮምን እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment