ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቱም 1 ሺሕን 354 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቱም ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 354 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምረቓ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኦሮሚያን ኣካቢት ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ተረኺበን።

ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ÷ ተመረቕቲ ተምሃሮ ዘምሃሮም ማሕበረሰብ ብሓቅነትን ተኣማኒነትን ንከገልግሉ መልእኽቲ ኣተሓላሊፈን።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሙክታር ሙሐመድ ብግደኦም፥ ነቶም ተመረቕቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

እቲ ዩንቨርስቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ንህንፀት ሃገር ግድኡ የበርክት ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ማሕበረሰብ ሳይንስን መሬት ምምሕዳር ቴክኖሎጂ ኢኒስቲቲዩት ኮለጀታቱን ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ንመጀመሪያ ግዘ ከምዘመረቐ ሓቢሮም ክብል ኦቢኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment