ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝበፅሑ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ከፅንዕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ መፅናዕቲን ምርምርን ብምጥያሽ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝበፅሖም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን ንዋታዊ ዕንወትን ከምዘፅንዕ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለዩ ተመረቕቲ ተምሃሮ እውን ዝበፅ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወታት ንኸፅንዑ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደ ሃና ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣብ ሜዳ ኮይዱ ዘፅንዕ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ጀሚሩ።

ካብቲ ጉጅለ መፅናዕቲን ምርምርን ዝርከብ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ድማ ዕንወቱ ዘብፀሖ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተወቃሲ ታሪኽ ንምግባርን ኣብ ቀፃሊ ንዝህልዉ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ከምዝውንዕል ገሊፆም።

በቲ ጉጅለ ዝዓነዉ ዩኒቨርሲቲታት መሊስካ ንምጥያሽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment