ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን4 መምህራን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

#ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንኣርባዕተ መምህራን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ምሃቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ብኮሌጅ መፅናዕቲ ልምዓት ሃገር፣ ብኮሌጅ ሳይንስ ጥዕናን ብኮሌጅ መፅናዕቲ ቋንቋታትን ብመምህርነትን ምርምርን እናገልገሉ ንዝፀንሑ ምሁራት ኢዩ መዓርግ ፕፌሰርነት ክህቦም ዝኸኣለ።

ብመሰረት እዚ፥ ዶክተር ጌታሁን ኣማረ፣ ዶክተር በላይ ሰማኒ፣ ዶክተር ደገፍ ቶሎሳን ዶክተር ዋቅጋሪ ደሬሳን መዓርግ ፕፌሰርነት ተዋሂቡዎም።

እቶም መዓርግ ፕፌሰርነት ዝተውሃቦም ሙሁራት፥ ኣብዝተፈላለዩ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን ጆርናላት ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕቲን ከሕትሙ ዝኸኣሉ ምዃኖም ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment