ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 70 ኣመት በዓሉን ምስረታ ኣልሙናይን የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 70 ኣመት በዓሉን ምስረታ ኣልሙናይን የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነስርዐት ሚኒስትር ኣማኻሪት ዘፈር ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ተረኺቦም፡፡

ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ከምዝበሉዎ፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝተጣየሸሉ 1943 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ንምዕባለ ሃገር መሰረት ዝኾኑ ብዙሓት ተምሃሮ ናብ ስራሕ ብምእታው ዓቢዪ ግደ ተፃዊቱ ኢዩ ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝጣየሽ ክሳብ 1972 ዓ.ም ብመርሃ ግብሪ ቀዳማይ ዲግሪ እናመረቐ ዝነበረ እንትኸውን፥ ድሕሪ 1972 ድማ ካልኣይ ዲግሪ መሃብ ጀሚሩ ኢዩ፡፡

ብሓፈሻ ድማ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 250 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑu ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ልዕሊ 28 ሺሕ ተምሃሮ ድህረ ምረቓ፣ ልዕሊ 18 ሺሕ ተምሃሮ ቅድመ ምረቓ ከምኡ እውን ልዕሊ 3 ሺሕ ትምሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ እናሰልጠነ ይርከብ፡፡

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment