ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ቅበላ ተምሃሮ ካብ 2017 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ቅበላ ተምሃሮ ካብ 2017 ዘበነ ትምህርቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣሰራሓ÷ ዩኒቨርሲቲን ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡን ፍሉይ ክእለት ዘለዎምን ተምሃሮ ዝመሃሩሉ ትካል ዝገብሮ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ተ/ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ቅበላ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሙሉእ ርእሰ ምሕደራ ዝገብሮ ከይዲ ስግግር ሓደ ኣካል ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ዝትግበር ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ትምህርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድመ ምረቓን ድህረ ምረቓን ተምሃሮ ጀሚሩ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ልዑል ክእለት ዘለዎም ተምሃሮ ዝተሰናደአ መወዳደሪ ነጥቢ፣ መእተዊ ፈተና ከምኡ እውን ካልኦት መለክዒታትእንተማልኡ ጥራሕ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኣትዉ ተዛሪቦም።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014፣ 2015ን 2016 ዓ.ም ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተምሃሮ ዝወፅእ መለክዒ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ፖርታል እቲ ዩኒቨርሲቲ https://portal.aau.edu.et ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ እውን ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment