ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 500 ውፅኢት ንዘምፅኡ 200 ተምሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዓመት ፈተና 12 ክፍሊ ልዕሊ 500 ውፅኢት ንዘምፅኡ 200 ተምሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ባዕሉ ዘመሓድር (ራስ ገዝ) ምዃኑ ስዒቡ ብናይ ባዕሉ ስርዓት ቅበላ ተቐቢሉ ንምምሃር ምዝገባ እናካየደ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ንተምሃሮ ዘሰናድኦ መእተዊ ፈተና ከምዝህብን ብቕዓት፣ ብዙሕነትን ፍትሓዊነትን ማእኸል ብምግባር ከምዝቕበል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱን 500ን ልዕሊኡን ውፅኢት ዘመዝገቡ 200 ተምሃሮ ብውድድር ናፃ ዕድል ትምህርቲ ምስ ኣገልግሎት መደቀሲን ካፌን ከምዝህብ ገሊፁ፡፡

እዚ ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቕዓትን ተውህቦን ዘለዎም ተምሃሮ ዝርከቡሉ ንምዃን ዘለዎ ቆራፅነት ከምዘርኢ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment