ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 444 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠኖም  2 ሺሕን 444 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቶም ተመረቕቲ ኣብ 2012 ዓ.ም ክምረቑ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ትምህርቲ ብምቁራፁ እቲ ስነስርዓት ምረቓ ንሎሚ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ጫላ ዋታ፥ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም  ፕሮቶኮል COVID-19 ተግባራዊ ብምግባር ልዕሊ 6 ሺሕ ተምሃሮ ብምቕባል ንምምሃር ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቲ ዩንቨርስቲ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ውሽጢ 6 ዓማውቲ 8 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ ኢዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፕሮግራም ቅድመ ምረቓ፣ ድህረ ምረቓን ፒ ኤች ዲን ስልጠና ይህብ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ብፕሮግራም ፒ ኤች ዲ ትምህርቲ ስርዓት ገዳ ከምዝወሃብ እውን ተገሊፁ።

ብብዙኣለም ቤኛን ሃቢብ ሞሓመድን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment