ዩኒቨርሲቲ ራያ ሎሚ መዓልቲ  ህንፃ መምሃሪ ክፍሊን መምበሪ ተምሃሮን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ራያ ሎሚ መዓልቲ  ህንፃ መምሃሪ ክፍሊን መምበሪ ተምሃሮን ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ድኤታ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣቦ መንበር ስራሕ ኣመራርሓ  ዩኒቨርስቲ ራያ ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)፥ ከምኡ ውን ፕሬዚዳንት ራያ ዩኒቨርስቲ  ታደሰ ደጀኔን(ፕሮፌሰር) ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እቶም ኣቦ መንበር ስራሕ ኣመራርሓ ራያ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ካሳሁን ጎፌ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ከይዲ እቲ ህንፀት ንቑሕ ተሳትፎ ንዝነበረም ኣካላት ኣፍልጦ ሽልማት ዝሃቡ እንትኾን ;

ዩኒቨርስቲ ራያ ቅድሚ እቲ ኵናት ዝጀመሮ ህንፀት ብዓርሱ ዓቕሚ ሃኒፁ ምዝዛሙ ብምግላፅ፥ እዚ ዩኒቨርስቲ ንካልኦት ኣብ ሃገርና ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት መርኣያ ከም ዝኾነ ኣልዒሎም።

ብፋኑስ መብራህቱ

Comments (0)
Add Comment