ዩኒቨርሲቲታት ወላይታ ሶዶን ሚዛን ቴፒን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ወላይታ ሶዶን ሚዛን ቴፒን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም፥

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 79 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲው ፕሮፌሰር ታከለ ታደሰ፥ ኮቪድ-19 ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽቋረፅ ዝገበረ ይኹን እምበር ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ትምህርቶም ክከታተሉ ብምግባር ክምረቑ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

ብመርሃ ግብሪ ስሩዕን ተኸታታሊን ትምህርቲ ሰልጢኖም ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ ተምሃሮ 143 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፥ 47 ተምሃሮ ብሕክምና ብዶክትሬት ዲግሪ ዝተመረቑ፤ ካብዚኣቶም ድማ 3 ተምሃሮ ስፔሻላይዝድ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ቫይረስ ኮሮና እናተኸላኸሉ ትምህርቲ ንምጅማር ኣድላዪ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ፕዚዳንት ኣብሪሆም።

ወላይታ ሶዶ ዩኒቨርሲቲ ከ1999 ዓ.ም ጀምሮ ከ35 ሺህ በላይ ተማሪዎችን ተቀብሎ ማስተማሩ እና እያስተማረ እንደሚገኝ ተጠቁሟል፡፡

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ካብ 1999 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ 35 ሺሕን ተምሃሮ ተቐቢሉ እናመረቐ ይርከብ።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ እውን ትምህርቶም ብበይነ መረብ ብምሕጋዝ ትምህርቶም ተኸታቲሎም ዝዛዘሙ 659 ተምሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 63 ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኣሕመድ ሙስጠፋ ገሊፆም።

ብቪዲዮ ኮንፈረንስ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ካብ ዘለቶ ድኽነት ተናጊፋ ናብ ዝግበኣ ብራኸ ዕቤት ንኽትበፅሕ ግደ ተመረቕቲ ዕዙዝ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment