ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ብዝተፈላለየ ዓዉዲ ትምህርቲ ዘሰልጠነኦም ተምሃሮ ኣመሪቐን።
ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ ዓዉድታት ትምህርቲ ብመጀመርያ ዲግሪ፣ ካልኣይን ዶክተሬት ዲግሪን ዘሰልጠኖም 2 ሽሕን 509 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ካብ መንጎ እቶም ሸሞንተ ብዶክተሬት ድግሪ ዝተመረቑ ናይ ወፃኢ ዜጋታት ምዃኖም ተሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ንመበል 67 ግዜ ብዝተፈላለዩ ዓዉድታት ትምህርቲ ብመጀመርያ ዲግሪ፣ ካልኣይን ብዶክትሬት ዲግሪ ዘሰልተኖም 1 ሽሕን 800 ተምሃሮ ምምራቑ ተገሊፁ፡፡
ዩኒቨርሲቲ ዲላ እዉን ስሩዕ፣ ኽረምትን ኣብ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ዕረፍቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቐዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም 1ሽሕን 650 ተምሃሮ ምምራቑ ተገሊፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።