ዩኒቨርሰቲ ድሬዳዋ 1 ሺሕን 211 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሰቲ ድሬዳዋ 1 ሺሕን 211 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ ተምሃሮ÷ 382 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ተመረቕቲ ተምሃሮ 248 ብድህረ ምረቐ ከምኡ እውን 963 ድማ ብቅድመ ምረቐ ትምህርጾም እናተኸታተሉ ዝፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዑባህ ኣደም (ዶ/ር)÷ ምረቓ ተምሃሮ እዚ ዓመት ፅባሕ መልቀቒ ፈተና ዝካየድ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣፍሊጦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣምባሳደር ሙሀሙድ ድሪር ናይ ክብሪ ዶክትሬት ሂቡዎም።

ኣምባሳደር ሙሀሙድ ድሪር እውን ንተመረቕቲ ተምሃሮ መምርሒ ስራሕ ሂቦም።

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment