ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ካብ 9 ነሓሰ ጀሚሩ ንዝወሃብ ክታበት ንምዕዋት ልዕሊ 45 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን መንሽሮ (ካንሰር) ኣፍደገ ማህፀን ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ወፍሪ “ንከተብ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ  ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብሪሁ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ሪእየ ኢሳያስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካብ 9 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ 10 መዓልቲ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን  መንሽሮ (ካንሰር) ኣፍደገ ማህፀን ክወሃብ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ክታበት፥ ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ፣ ክታበት መከላኸሊ መንሽሮ (ካንሰር) ኣፍደገ ማህፀንን ን14 ዓመት ዕድሚአን ደቂ-ኣነስትዮ፣ ስሩዕ ክታበት ንዘይጀመሩን ወይ ዘቋረፁ ትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃውንቲ ድማ ክታበት፣ ፈተሽ ሕማም ፌስቱላን ሙልቆ ማህፀንን ፈተሽ ዝተጣመመ ወይ ኬባዕ እግሪ ዘለዎም ህፃውንቲ ከምዝወሃብ ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ብሰብ ሞያን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝወሃብ ሓበሬታ ክሰምዕን ከተግብርን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣይተ ያይንሸት ገብረዮውሃንስ ብግደኦም፥ ዩኒሴፍ ነቲ ወፍሪ ንምዕዋት ልዕሊ 45 ሚልየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ፥ ሕብረተሰብ ረብሓ እቲ ክታበት ብውነ ተረዲኡ ክጥቀመሉን ህፃናት ክኽተቡ ክገብርን ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment