ዩኒሴፍ ምግቢን ቀረባት ሕክምናን ናብ መቐለን ማይፀብሪን ምልኣኹ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) 8 ሺሕ ዝኸውን ምግቢን ቀረባት ሕክምናን ናብ መቐለን ማይፀብሪን ምልኣኹ ገሊፁ።

እቲ ትካል፥ ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት፣ ነብሰፁር ዝኾና ኣዶታትን መጥበውቲ ኣንስቲን ዝኸውን 2 ሺሕሕ 700 ሓይሊ ወሃብቲ ብሽኩቲታት ናብቲ ቦታ ከምዝለኣኸ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ሕፀርት ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘስዕቦ መዘዝ ንምውጋድ ኣድለይቲ ቀረባት ናብ ኩለን ማእኸላት ምብፃሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ እቲ ትካል ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment