ዩኒሴፍ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ተራድኦ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝውዕል ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝዋግኡ ናውቲ ሕክምና ለጊሱ።

እቲ ናውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃብ እንትኸውን፥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ መለክዒ ሙቐትን ኣልባሳት ሕክምናን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ተወካሊት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዴል ኮድር ንሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ እቲ ናውቲ ሕክምና ዘረከባ እንትኾና፥ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ንክልላት ከምዘከፋፍል  ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ብዩኒሴፍን መንግስቲ እንግሊዝን  ዝተውሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment